ኣብ ኣቑርደት፡ ብቕዓትን ውጽኢትን ተመሃሮ ክብ ንምባል፡ ውሁድ ጻዕሪ ወለዲ፡ መማህራንን ኣመሓደርቲ ከባብን ክዓዝዝ፡ ርእሳነ-መማህራን መባእታን ማእከላይን ደረጃ ጸዊዖም።

እቶም ርእሳነ-መማህራን ነዚ ጻውዒት’ዚ ዘቕረቡ፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2017/2018 ከምኡ’ውን ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2018/2019 ንዝተሰላሰለ ንጥፈታት ብመንጽር ዝወጸ ውጥን፡ ዝነበረ ብድሆታትን ዝተመዝገበ ውጽኢትን ንምግምጋም ኣብ ዝተኻየደ ርክብ እዩ።

ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2017/2018 ኣስታት 68 ሚእታዊት ዝነበረ መጠን ምሕላፍ፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2018/2019 ናብ ኣስታት 64 ሚእታዊት ከምዝወረደ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ክጥቀስ እንከሎ፡ ነዚ ንምምሕያሽን ናብ ዝበለጸ ክብ ንምባሉን፡ ምትብባዕን ምክትታል ወለዲ፡ ኣመሓደርቲን ካልኦት መሻርኽትን ወሳኒ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ 6 ናይ መባእታን ማእከላይን ደረጃ፡ ሓንቲ ናይ ማእከላይ፡ ሓንቲ ድማ ናይ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣለዋ።

 

Categories