ኣህጉራዊ መዓልቲ ‘ኦቲዝም’፡ “ሓጋዚ ቴክኖሎጂ ንንጡፍ ሱታፈ’’ ብዝብል ቴማ፡ ብ2 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ኮማዊ ሆስፒታል ቤት-መኻእ ተዘኪራ።

ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንክልና ሌተና ኮሎኔል ብርሃነ በዂረጽዮን፡ ‘ኦቲዝም’ ከቢድን ዝተሓላለኸን ስንክልና ብምዃኑ፡ ብደረጃ ሃገር ኣብ ምልላይ፡ ምክትታልን ምንጻርን ብድሆ ኮይኑ ምጽንሑ ብምሕባር፡ ማሕበር ምስ ሚኒስትሪ ጥዕና ብዝገበሮ ምርድዳእ፡ ኮማዊ ሆስፒታል ቤት-መኻእ – ኣብ ርእሲ’ቲ ዝህቦ ካልእ ጥዕናዊ ኣገልግሎት፡ ማእከል ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንኩላን ክትከውን ኣብ ምብግጋስ ከም እትርከብ ሓቢሩ።

ሕብረተሰብ ኣብ ጒዳይ ‘ኦቲዝም’ ኣጥርይዎ ዘሎ ናይ ባህሪ ለውጢ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ ብስድራ-ቤት፡ ኮምን ካልኦት ኣካላትን ንግዳያት ዝግበር ክንክንን ናብዮትን ብዝለዓለ ክቕጽል ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና – ግዝያዊ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጽዮን ብወገኑ፡ ወለዲ ንዝወስድዎ ዘለዉ ተበግሶ ብምምስጋን፡ ማሕበር ኣእምሮኣውን ምዕባልኣውን ስንክልና ዝገብሮ ንጥፈታት ኣብ ምዕዋት፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ከም ዝደጋገፍ ኣረጋጊጹ።

ኦቲዝም’ መበገሲኡ ብርግጽ ዘይፍለጥ፡ ዛጊት ድማ ፈውሲ ዘይተረኽበሉ ስንክልና ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ዓለም ሓደ ካብ 160 ህጻናት ግዳይ ናይ’ዚ ስንክልና’ዚ ከምዝኾነ፡ ብዓለማዊ ውድብ ጥዕና ዝተኻየደ መጽናዕቲ የነጽር።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ‘ኦቲዝም’፡ ብደረጃ ዓለም ሎሚ ዓመት ንመበል 12 ግዜኣ እያ ተዘኪራ።

Categories