ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ተከለዛን እትርከብ ምምሕዳር ከባቢ ዋራ፡ ተጠቃሚት ናይ 24 ሰዓታት ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ኮይና።

ህዝቢ ኣብ ምትካል ኣዕኑድን ምዝርጋሕ መስመራትን ንዘርኣዮ ተሳትፎ ዘመጐሰ ሓላፊ 4ይ ገጽ ፕሮጀክት ኤለክትሪክ ኣቶ ክብሮም ጸጋይ፡ ካብ ደቂ-ገብሩ ኣብ ዘሎ ናይ 16 ኪሎ-ሜተር ርሕቀት፡ 164 ዓንድታት ተተኺሉ ገመድ ኤለክትሪክ ከም እተዘርግሐ፡ በዚ ድማ ልዕሊ 200 ስድራ-ቤታት ቈጻሪት ኣእትየን ተጠቀምቲ ከምዝኾና ሓቢሩ።

ነበርቲ ብወገኖም፡ ብሰንኪ ስእነት ኤለክትሪክ ንዘቤታዊ ሃልኪ ዝበርስ ዝነበረ ኣግራብ ደጊም ክዕቀብ ከም ዝኽእል ብምጥቃስ፡ ኣብ ምክንኻንን ምሕላውን ዓንድታትን መስመራትን ተራኦም ከዕዝዙ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ኮርፖረሽን ኤለክትሪክሲቲ ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ተከለዛን፡ ኣቶ ዳንኤል ረዳእ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝርከባ ዓድታት ዝበዝሓ ተጠቀምቲ ጸዓት ኤለክትሪክ ኮይነን ምህላወን ገሊጹ።

Categories