ጨንፈር ሚኒስትሪ ቱሪዝም ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣፍልጦን ንቕሓትን ዜጋታት ኣብ ቱሪዝማዊ ጸጋታት ንምብራኽ ዝዓለመ፡ ኣብ ምልላይን ምዕቃብን ጥንታውን ታሪኻውን ቦታታትን ቅርስታትን ዘተኰረ ኣስተምህሮታት፡ ኣብ ፎሮ፡ ጊንዳዕን ሽዕብን ወዲቡ።

ኣብ’ቲ ንትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ቱሪዝምን ተመሃሮን ዝተዋህበ ኣስተምህሮታት፡ ሓላፊ ጨንፈር መጽናዕትን ምክትታል ጸጋታትን ኣቶ ኣብርሃም ተስፋማርያም፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ቱሪዝምን ጽልዋታቱን፡ መምርሒ ሕጋጋት ዕዮ፡ ጽሬትን ካልእ መዳያትን መብርሂ ሂቡ።

ኣብ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ከኣ ብፍላይ፡ ብርክት ዝበለ ቱሪዝማዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ጸጋታት ከምዘሎ ጠቒሱ ድማ፡ ስነህይወታዊ ብዙሕነት ዝውንኑ ንጹህን ዘይተበከለን ገማግም ባሕሪን ደሴታትን፡ ጥንታዊ ወደብ ኣዱሊስ፡ ዓብዱር፡ ቡያ፡ በዓትታት ቅሮራ፡ ደሴት ዳህላክን ካልእን ብኣብነት ኣቕሪቡ።

ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት፡ ምስ ግዜ ዝኸይድን ደረጃኡ ዝሓለወን ኣገልግሎት ክህባ ዘዘኻኸረ ኣቶ ኣብርሃም፡ ብቕዓት ሓደ ትካል ብዝህቦ ኣገልግሎት ስለዝምዘን፡ ብኩለንትንኡ ንዓሚል ብቑዕ ዝኾነ ኣገልግሎት ንኽህባ ክጽዕራ ጸዊዑ።

ኣቶ ኣብርሃም ኣብ መወዳእታ፡ ዛጊት ተረኺቦም ዘለዉ ጥንታዊ ኣሰራትን ታሪኻዊ ቦታታትን፡ ኤርትራ ብደረጃ ዓለም ንኽትፍለጥ ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ብምሕባር፡ ጥንታዊ ወደብ ኣዱሊስ፡ ከተማ ባጽዕን ካልእ ቦታታትን ኣብ ዓለማዊ መዝገብ ውርሻ ንምእታው ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ተራን ኣበርክቶን መላእ ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ፡ ናይ ተመሃሮ ድማ ብቐንዱ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሩ።

Categories