ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሰልዓን ከርከበትን ንዝነጥፉ መማህራን፡ ርእሳነመማህራንን ሱፐርቫይዘራትን፡ ኣብ ስትራተጂ ኣመራርሓን ምሕደራን ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣገባብ ኣመሃህራ ብዓይነት ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ስርዓትምዘና ተመሃሮ ዘተኰረ ስልጠናታት ወዲቡ።

ኣብቲ ጨንፈር ሓላፊ ኣሃዱ ምርምርን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን መምህር ሓይለኣብ ሃብታይ፡ እቲ ስልጠና ኣካል ናይ’ቲ ብቕዓት መማህራን ብምሕያል መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምድንፋዕ ዝሰላሰል መደባት ምዃኑ ኣብሪሁ።

ተሳተፍቲ ድማ፡ ዝተዋህቦም ትምህርቲ ኣብ ስራሖም ሓጋዚ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ዘለዉዎ ከባቢ ካብ ማእከላይ ቦታ ግልል ዝበለ ስለዝኾነ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ተጀሚሩ ንዘሎ ተበግሶታት ብዝለዓለ ክደፍኣሉ ተላብዮም።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ጋሽ-ባርካ መምህር መሓመድ-ዓሊ ኢብራሂም፡ መማህራን ናይተን ንኡሳን ዞባታት ንኩሉ ብድሆታት ሰጊሮም መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምዕዋት ንዘካይዱዎ ጻዕሪ ብምምጓስ፡ ኣብ ምጉልባት ዓቕምታቶም ዘተኰረ ስልጠናታት ቀጻሊ ምዃኑ ኣረጋጊጹሎም።

Categories