ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ትማሊ 3 ሚያዝያ ኣብ ካይሮ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሪፓብሊክ ግብጺ ኣሰይድ ሳምሕ ሽኩሪ ተራኺቡ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝ፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ንተፋሰስ ኒል፡ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ዝምልከቱ ጉዳያት ኣልዒሎም፡ ሰፊሕ ዝርርብ ኣካዪዶም።

ክልቲኦም ወገናት ብተወሳኺ፡ ኣብ’ዚ ዞባ ተኸሲቱ ንዘሎ እወታዊ ምዕባለታት ብሓፈሻ፡ ገስጋስ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ብፍላይ ድሕሪ ምምጓስ፡ ክልተኣዊ ምትሕብባርን ምውህሃድ ኣብ ዞባዊ ጉዳያትን ንምዕዛዝ ተሰማሚዖም።

Categories