ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክረኽቡ ኣብ ዝተጸንዐ ቦታ ዝተጠርነፉ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ፋና፡ ኣገልግሎታት ሕክምናን ኤለክትሪክን ቈላሕታ ክግበረሎም ሓቲቶም።

ኣቐዲሞም – ብሰንኪ ዘይምጥርናፎም ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክረኽቡ ይጽገሙ ምንባሮም፡ ሕጂ እውን ኣብ ሸላሻይን ዕጨት-ጻዕዳን እኳ እንተተጠርነፉ፡ ናይ ሕክምናን ኤለክትሪክን ሕጽረት ከምዘለዎም ገሊጾም።

ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ሼኽ ስዒድ መሓመድ-ዓሊ፡ 361 ስድራ-ቤታት ከም እተጠርነፋ፡ ዛጊት ግዳ ዝተማልአ ኣገልግሎት ከምዘይረኸባ ገሊጹ።

ዲጋ ሓሽፈራይ፡ ሽግር ዝስተ ማይ ሰብን ጥሪትን ኣብ ምፍታሕን ትሕተ-ባይትኣዊ ማይ ኣብ ምህብታምን ዓቢ ኣበርክቶ ትገርብ ምህላዋ ዝጠቐሰ ሼኽ ስዒድ፡ ኣብ ምስራሕ ከትርታትን ምጽጋን ጽርግያን ዝካየድ ዘሎ ወፈራታት ብዝሓየለ ውዳበታት ክቕጽል ምዃኑ ኣረዲኡ።

ምምሕዳር ከባቢ ፋና፡ ኣብ ክልተ ዓድታት ዝተጠርነፉ ልዕሊ 1880 ነበርቲ ኣለዉዋ።

Categories