ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ለዓይቴን – ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ መደብ ምጥፋእ መሃይምነት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ግቡእ ዕድመ ንዘይጀመሩ ቈልዑ ብመደብ “ዓርዮም” ዝወሃብ ትምህርቲ፡ ጽቡቕ ገስጋስ የመዝግብ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ርእሰ-መምህር ቤት-ትምሀርቲ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ለዓይቴን መምህር ሓምድ መሓመድ እድሪስ፡ ዛጊት ኣብ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ልዕሊ 200 ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ መደብ “ዓርዮም” ድማ ካብ 9 ክሳብ 14 ዓመት ዝዕድመኦም ኣስታት 60 ቈልዑ፡ ትምህርቶም ኣብ ምክትታል ከምዝርከቡ ገሊጹ።

መምህር ሓምድ፡ እቶም ኣብ መደብ “ዓርዮም” ዝሳተፉ ዘለዉ – ካብ ከባቢታት ዓጎምቦሳ፡ ጉልዒ፡ ማይሓባር፡ ለዓይቴንን ካልእ ከባቢታትን ዝመጹ ምዃኖም ብምሕባር፡ ሱታፌ ደቂ-ተባዕትዮ ኣብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ንምዕዛዝ ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኤሪና ዝተወከሰተን ተሳተፍቲ፡ ዋሕዲ ክፍልታት፡ ሕጽረት መጻሕፍትን ናውቲ ትምህርትን ፍታሕ ክናደየሉ ተላብየን።

Categories