ኣብ ዞባ ዓንሰባ ዝሰላሰል ዘሎ መደባት ምጥፋእ መሃይምነት ብኣድማዕነት ንምትግባር፡ ተራ ኣመሓደርቲ ከባቢ ክዓዝዝ፡ ብ25ን 26ን መጋቢት ከተማ ከረን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ጻውዒት ቀሪቡ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ተስፋጽዮን ግርማይ፡ ኣመሓደርቲ ከባቢ ናይ ዘመሓድሩዎ ህዝቢ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነታት፡ ከምኡ’ውን ዝርጋሐኡን ካልእ ዘድሊ ሓበሬታን ስለዘለዎም፡ ኣብ ክሊ ዕድመ ትምህርቲ ከለዉ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዕድል ትምህርቲ ዘይረኸቡን መሃይምነት ዘየጥፍኡን ኣለልዮም፡ ኣብ’ቲ መደባት ንኽሳተፉ መሪሕ ተራ ክጻወቱ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ዓንሰባ ሓላፊት ትምህርቲ ንዓበይቲ ወይዘሮ ኣብርሀት ገብረ፡ ኣብ’ቲ ዞባ መሃይምነት ኣጥፊአን ኣብ ዝተፈላለየ ትካላት ናይ ስራሕ ዕድል ረኺበን ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነታተን ዘመሓየሻ ከምዘለዋ ብምጥቃስ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ 96 ነቝጣታት 4300 ሰባት ኣብ መደብ ምጥፋእ መሃይምነት፡ ኣብ 46 ነቝጣታት መደብ ‘ዓረዮት’ ድማ 2179 ቈልዑ ትምህርቶም ይከታተሉ ከምዘለዉ ሓቢራ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓለፍቲ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ዝተቐስሙ ተመኵሮታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዝወጽእ መደባት ንምዕዋት ብውህደት ምስራሕ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

Categories