ውዳበ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ኣብ ኮለጅ ንግዲን ቁጠባን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን – ዓዲ-ቐይሕ፡ ብ27 መጋቢት ጉባኤ ኣቃኒዑ።

ኣብ’ዚ ጉባኤ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝተሰላሰለ ዕማም ክግምገም እንከሎ፡ ማሕበር ንዝሓንጸጾ ናይ 5 ዓመታት ውጥን ስራሕ መሰረት ብምግባር፡ ብ14 ኣባላት ዝቖመት ሓዳስ ኣካያዲት ኣካል ተመሪጻ።

ዲን ኮለጅ ንግዲን ቁጠባን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ዶክተር እስቲፋኖስ ሃይለማርያም፡ ኣብ ጉዕዞ ምዕባለ ሓንቲ ሃገር መሪሕ ተራ ዝጻወት ብቑዕ ፍልጠት ዝዓጠቐ፡ ንቑሕን ዝተወደበን መንእሰይ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሓዳስ ዝተመርጸት ኮሚቴ ነዚ ብምግንዛብ፡ ብኩሉ-እንትናኡ ብሉጽ መንእሰይ ንምዅስኳስ ኣበርቲዓ ክትነጥፍ ተላብዩ።

ሓላፊት ሃማመተኤ ዞባ ሳዋን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን መንእሰይ መንሱራ እስማዒል ድማ፡ ተመሃሮን ሰራሕተኛታት መንእሰያትን ናይ’ቲ ኮለጅ፡ መንእሰያት ውዳበታቶም ብምዕዛዝን ንጥፈታቶም ብምውህሃድን፡ ዝወጹ መደባት ስራሕ ብኣድማዕነት ኣብ ምትግባር ተሳታፍነቶም ክብ ከብሉ ኣዘኻኺራ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ብ30 መጋቢት ንተመሃሮን መማህራንን ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ፡ ኣብ ሕማም ካንሰር ዘተኰረ ጥዕናዊ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

Categories