ኣብ ሸውዓተ ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ባረንቱ፡ ብቕዓት ምምሕዳራዊ ኣገልግሎት ንምምሕያሽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ፡ ምርጫ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓድን ተኻዪዱ።

ኣምውሓዳሪ ንኡስ ዞባ ባረንቱ ኣቶ ኣውረልዮ ጃኮሚኖ፡ ሓደስቲ ምሩጻት – መደባት ልምዓት ንምዕዋትን ኩሉመዳያዊ ተሳታፍነትን ውዳበን ህዝቢ ንምሕያልን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።

እቶም ኣመሓደርቲ፡ ዓቕሞም ዘፍቅዶ ኣበርክቶ ክገብሩን ብኣብነት ክመርሑን ዘለዎም ድሉውነት ኣረጋጊጾም።

Categories