ካብ ሰላዕ ዳዕሮ ናብ ዓዲ ጸናፍ ዝወስድ 7 ኪሎ-ሜተር ጽርግያ፡ ብምውህሃድ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሕን ህዝብን ብምሩጽ ሓመድ ተጸጊኑ።

ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ነበርቲ፡ ብ24 መጋቢት ኣብ ዝወዓልዎ ወፈራ፡ ብማሽነሪ ተሓጊዞም ነቲ ስራሕ ከምዝዓመምዎ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ኣወሃሃድቲ ናይ’ቲ መደብ፡ ንዝተወስደ ኮማዊ ተበግሶን ዕዙዝ ተሳትፎ መንእሰያትን ድሕሪ ምምጓስ፡ በቲ ስራሕ – እቲ መስመር ንተሽከርከርቲ ምቹእ ኮይኑ ከምዘሎ ገሊጾም።

ዓዲ ጸናፍ – ኣብ ንኡስ ዞባ ጋላነፍሒ ኮይና፡ ካብ ኣስመራ ንሸነኽ ደቡብ ኣስታት 19 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ትርከብ።

Categories