ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ)፡ ኣፍልጦን ጠመተን ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ስንኩላን ንምስፋሕ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ምስ ህዝብን ኣባላት ማሕበርን ኣኼባታት ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ካብ 14 ክሳብ 22 መጋቢት – ኣብ ንኡሳን ዞባታት ተሰነይ፡ ሃይኮታ፡ ባረንቱ፡ ሻምብቆን ኣቑርደትን ዝተኻየደ ርክባት፡ ኣብቲ ማሕበር ሓላፊ ቁጠባዊ ዕብየት ኣቶ ኣማኑኤል ዘርኦም፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ኩነታት ስንኩላን ንምፍላጥ ዝተኻየዱ መጽናዕትታትን ውጽኢቶምን፡ ንጥፈታት ውዳበ፡ ኣካዳምያውን ሞያውን ስልጠናታት፡ ዳግመ ምውህሃድ ስንኩላንን ብድሆታቱን ኣብ ዝብሉን ካልኦትን ኣርእስትታት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

መነባብሮ ስንኩላን፡ ብቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ስነ-ኣእምሮኣውን ብድሆታት ዝተኸበ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ኣማኑኤል፡ ነዚ ውሁብ ኩነታት – ማሕበር ንበይኑ ክፈትሖን ክምልሶን ስለዘይክእል፡ ኣበርክቶን ምትሕብባርን ሕብረተሰብን መሻርኽቲ ኣካላትን ክዓዝዝ ጸዊዑ።

ተሳተፍቲ ኣኼባታት፡ ቁጠባዊ ዓቕምታት ስንኩላን ንምድንፋዕ ኣብ ዝሰላሰሉ መደባት፡ ኣበርክቶኦም ንምዕዛዝ ዘለዎም ድልውነት ኣረጋጊጾም።

Categories