ኣብ 22 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ብሚኒስትሪ ሕርሻን ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባን ዝተወደበ፡ መሬት ብምርጋእ እቶትን እቶታውነትን ሕርሻ ንምድንፋዕ ዝዓለመ – ሰፊሕ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ይካየድ ኣሎ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ መንእሰይ ምሕረቱ ኣርኣያ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ ኣስታት 148 ሄክታር ቅናታዊ ዛላታት፡ ኣብ 886 ሄክታር ከትሪታት ንምስራሕን ንምጽጋንን ዝተወጠነ መደብ ንምዕዋት፡ ነበርቲ ካብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ጀሚሮም ዕዉት ስራሕ ይትግብሩ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ዓዲ-ቐሞሾ፡ ዓዲ-ጉልቲን ዓዲ-በልሰይን ኣብ ናይ ሕርሻ ቦታታት ንዝካየድ ዘሎ ምፍዋስ ማይኮዖታትን ምምድማድን ብኣብነት ጠቒሱ ድማ፡ ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ፡ ሓረስቶት ድማ ብፍላይ፡ ካብ ጎቦታት ዝወርድ ማይን ሓመድን ብምዕቃብ መሬቶም ክከናኸኑ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ዓዲ-በልሰይ እትርከብ ንሰብን ጥሪትን እተገልግል ሓጽቢ፡ ትሕዝቶ ማያ ምስ ተወድአ – ዓመት ምሉእ ድበት ዝለእትመልእ ቈላሕታ ክግበረላ ኣዘኻኺሮም።

Categories