ቤት-ጽሕፈት ምቊጸጻር ሕግን ስርዓትን ከተማ ሰንዓፈ፡ ህዝቢ ንዝዕድጎም ሃለኽቲ ነገራት፡ ኣፋውስን ዓይነታት መግብን፡ ናይ ኣገልግሎት ግዜኦም ኣስተውዒሉ ክዕድግ፡ ግዜኦም ዝወደቐ ኣብ ዘጋጥምዎ ድማ ንዝምልከቶም ኣካላት ክሕብር ኣዘኻኺሩ።

ሓላፊ’ቲ ቤት-ጽሕፈት ኣቶ ሃብቶም በይን፡ ዓደግቲ ዝፈረዩሉን ዘብቅዑሉን ዕለት ኣረጋጊጾም ክዕድጉን ሓሲሩ ኢሎም ግዜኡ ዝሓለፈ ከይጥቀሙን ተላብዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ከተማ ሰንዓፈ ኣብ ዝነጥፋ ትካላት ዝተረኽበ ናይ ተጠቃምነት ዕለቱ ዝወደቐ ዓይነታት መግቢ፡ መመላኽዒ፡ ሳሙና፡ ከምኡ’ውን ፌስታላትን ካልእን ብ20 መጋቢት ከምእተቓጸለ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories