ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ግርመ – ንኡስ ዞባ ሻምብቆ፡ ብ26 መጋቢት ሰዓት 3፡00 ድ.ቐ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙ – ኣብ ልዕሊ ኣባይቲን ንብረትን ጥሪትን ከቢድ ዕንወት ከም ዝወረደ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

በቲ ዛጊት ጠንቁ ዘይተፈልጠ ሓደጋ፡ 44 ኣጓዱ ምስ ምሉእ ንብረቱ፡ 11 መረባብዕ፡ 35 ጤለ-በጊዕን መጽዓኛን፡ 5 ናይ ገዛ ጀነሬተራት፡ 20 ናይ ቃንጫ ዳሳት፡ 250 ዅንታል እኽሊ፡ 150 ግራም ወርቂ ዘጠቓልል ንብረት ከም እተሃሞኸ ዝገለጸ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ግርመ፡ በቲ ሓደጋ ንዝተሃስያ ስድራ-ቤታት ህጹጽ ረድኤት ክግበር ጸዊዑ።

በቲ ባርዕ ኣብ ሂወት ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ተፈሊጡ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዓናጉሉ – ንኡስ ዞባ ባረንቱ እውን፡ ብ12 መጋቢት ተመሳሳሊ ባርዕ ኣጋጢሙ፡ 20 ኣጓዱ ምስ ምሉእ ንብረቱ ከም እተሃሞኸ፡ ካብ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ባረንቱ ደንጒዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ገሊጹ።

Categories