ብነፋሪት መገዲ ኣየር ስዑድያ፡ ካብ ጅዳ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ጉዕዞ እንከላ፡ ናብ 23 መጋቢት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ – ሰዓት 1፡15 ሃንደበት ብምሕራሳ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራን ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታን ሕክምናዊ ክንክንን ናብዮትን ክግበረላ ዝጸንሐት ኢትዮጵያዊት ኣደ፡ ትማሊ 29 መጋቢት ናብ ሃገራ ተፋንያ።

ወይዘሮ ጀነቲ ሑሴን ኣብ’ቲ ናይ ምፍናው ኣጋጣሚ፡ ካብታ ዝሓረሰትላ ህሞት ጀሚሩ ኣድላዪ ክንክን ሳላ ዝተገብረላ፡ ክልተ ማናቱ ኣዋልድ ብሰላም ከም እተገላገለት፡ ከም መርኣያ ፍቕራን ምስጋናኣን ንህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ኣስመራን ሓያትን ከም ዝሰመየተን ገሊጻ።

ካልኣይ ጸሓፊ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ፡ ኣቶ ዘሪሁን መገርሳ፡ እቲ ኤምባሲ ዳግም ስርሑ ካብ ዝጅምር ኣብ ናይ ሽድሽተ ኣዋርሕ ዕድመኡ ከምዚ ዓይነት ታሪኻዊ ፍጻመ ክስንድ ብምኽኣሉ ሓጐሱ ገሊጹ። ወይዘሮ ጀነቲ ንደቃ ዝሃበተን ኣስማት፡ ንሕውነታዊ ምትእስሳር ክልቲኡ ህዝብታት ከም ዘንጸባርቕ ጠቒሱ ድማ፡ ንዝተገብረላ ሓገዝ ብስም ህዝብን መንግስቲን ኢትዮጵያ ኣመስጊኑ።

ኣካያዲ ስራሕ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ፡ ኣቶ በረኸት ብርሃነ፡ እታ ኢትዮጵያዊት ኣደ ብሰላም ናብ ሃገራ ብምፍናዋ ዝተሰመዖ ሓጐስ ገሊጹ።

Categories