ገዲም ተጋዳላይ ብርሃነ ገብረኣብ ኪዳነ (ዕንቅርቢት)፡ ብ29 መጋቢት ኣብ መበል 70 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ 1974 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ብርሃነ፡ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ኣብ ጨንፈር ኢደ-ስርሓት፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ትካል ሓጺን ኦሮታን ትካል ኤሪ-ሶክን ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ስታፍ ምምሕዳር ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብልዑል ተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ስዉእ ብርሃነ ገብረኣብ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ሎሚ ቀዳም 30 መጋቢት ሰዓት 4፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም እዩ።

ስታፍ ምምሕዳር ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ብመስዋእቲ ኣባሉ ገዲም ተጋዳላይ ብርሃነ ገብረኣብ – ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።

Categories