ኣብ ሶማሊ-ላንድ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ’ቲ ቀዳማይ ርክብ ንዝተላዕሉ ዛዕባታት ንምዕማቚ፡ ትማሊ 19 መጋቢት ምስ ፕረዚደንት ሙሴ ቢሂ ዓብዲ ካልኣይ ርክብ ኣካዪዱ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ብዘይካ’ዚ፡ ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ ውሽጣዊ ጉዳያትን ፋይናንስን፡ ከምኡ’ውን ምስ ወከልቲ ህዝብን ዓበይቲ ዓድን ብምርኻብ፡ ኣብ ምዕዛዝ ተጀሚሩ ዘሎ ጽምዶን ምምዕባል ዝምድናታትን ብሰፊሑ ዘትዩ።

ልኡኽ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ኩነታት ሶማሊ-ላንድ፡ ከምኡ’ውን ዘለዉ መደባትን መርገጺታትን ኣብቲ ርክባት መብርሂ ተዋሂቡዎ።

ፕረዚደንት ሙሴ ቢሂ፡ ብ18 መጋቢት ንክብሪ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ – ናይ ድራር እንግዶት ገይሩ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ሶማሊ-ላንድ ናይ ፈለማ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ብ18 መጋቢት’ዩ ከተማ ሃርጌሳ ኣትዩ።

ኣብ’ቲ ዕለት’ቲ ድማ፡ ምስ ፕረዚደንት ሙሴ ቢሂ ዓብዲ ፈላሚ ርክብ ኣካዪዱ።

Categories