ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ዞባዊ ሰላምን ውህደትን ንምዕዛዝ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ኣብ ሃርጌሳ – ሶማሊላንድ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ።

ፕረዚደንት ሙሴ ቢሂ ዓብዲ፡ ነቲ ልኡኽ ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ ኣብ ዝተቐበለሉ – ንተበግሶ ኤርትራ ሞጒሱ።

ፕረዚደንት ዓብዲ ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሶማሊላንድን መርገጺታታ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያትን፡ ነቲ ላዕለዋይ ልኡኽ መብርሂ ሂቡዎ።

ዕላማ ናይ’ዚ ናይ ፈለማ ዑደት ኣብ ሃርጌሳ፡ ምስ ሶማሊላንድ ጽምዶ ንምጅማርን ዞባዊ ሰላም ንምድንፋዕን እዩ።

ልኡኽ ኤርትራ ትማሊ 18 መጋቢት እዩ ናብ ከተማ ሃርጌሳ ኣትዩ። ኣብኡ ኣብ ዝጸንሓለን ሰለስተ መዓልታት ድማ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ-ስልጣን ሶማሊላንድ፡ ኣብ ምዕዛዝ ዝምድናታት ዘተኰረ ርክባት ከካይድ እዩ።

Categories