ገዲም ተጋዳላይ ኰሎኔል ብርሃነ ዘርእማርያም ግደ (ራሻይዳ)፡ ብ15 መጋቢት ኣብ መበል 65 ዕድሚኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ 1975 ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ኰሎኔል ብርሃነ ዘርእማርያም፡ ኣብ ሜካናይዝድ 74 ክሳብ ብደረጃ ኣዛዚ ብርጌድ ዝበጽሐን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ-ውግኣት ብጅግነንት ዝተዋግአን ዝመርሐን ሓርበኛ እዩ ነይሩ።

ስዉእ ኮሎኔል ብርሃነ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሽዱሽተ ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኮሎኔል ብርሃነ፡ ሎሚ ሰንበት 17 መጋቢት ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም እዩ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል – ሜካናይዝድ 74፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ኰሎኔል ብርሃነ ዘርእማርያም ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ይምነ።

Categories