ኣብ መስመር ዓዲ-ዃላ – እንዳገርግስ፡ ብኩባያ ብድሆ ሓፈሻዊ ህንጻት ሓድሽ ጽርግያ ይስራሕ ኣሎ።

ነቲ ፕሮጀክት ዝከታተል ዘሎ ኣቶ ዑቕባይ ገብረሚካኤል ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሓድሽ ጽርግያ፡ ካብ ዓዲ-ዃላ ተበጊሱ፡ ብማይመጨቓትን እንዳ’ባሕሽን ኣቢሉ ናብ መወዳእታ ጥውይዋይ ጽርግያ ዓዲኾተዮ ዝሕወስ ምዃኑን፡ መተካእታ ናይ’ቲ ንዓበይቲ መካይን ከጸግም ዝጸንሐ – ተሪር ዓቐብን ጥውይዋይን ዘለዎ መስመር ዓዲ-ኾተዮ ብምዃኑ ድማ፡ ዝሓጸረን ዝገፍሐን ኮይኑ ይህነጽ ምህላዉ ገሊጹ።

እቲ ስራሕ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንኽዛዘም ብርክት ዝበለ ዓቕሚ-ሰብን ማሽነሪታትን ተዋፊሩ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ኣቶ ዑቕባይ፡ ንዝያዳ ምቹእነትን ዝሓሸ ኣገልግሎትን፡ ካብ መሬት በሪኹ ብምሩጽ ሓመድ ይድግደግ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣብቲ ስራሕ ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ ሞያውያን – መሃንድስ ናጽነት ተወልደመድህን፡ እዚ ካብ ዝጅመር ልዕሊ ሓደ ወርሒ ገይሩ ዘሎ ሓድሽ ጽርግያ፡ 8.8 ኪሎ-ሜተር ንውሓትን 20 ሜተር ስፍሓትን ዘለዎን፡ ካብን ናብን ንዝግበር ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ብሓፈሻ፡ ንዓበይቲ መካይን ድማ ብፍላይ ምቹእነት ዝፈጥርን ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ተቐማጦ ምምሕዳራት ከባቢ ማይላፎ፡ ዓዲ ዓኼሎን ማይ-መጨቓትን ንተሳተፍቲ ስራሕ እንግዶት ከምዝገበሩ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢራ።

Categories