ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ውጽኢት ተመሃሮ ዘተባብዕ ዕብየት’ኳ ይምዝገብ እንተሎ፡ ንዝለዓለ ብቕዓት ርክብ መማህራንን ወለዲን ምድልዳል መሰረታዊ ምዃኑ፡ ብ21ን 22ን ለካቲት ኣብ ንኡሳን ዞባታት መንደፈራ፡ ማይ-ዓይኒን ማይ-ምነን ኣብ ዝተኻየደ ገምጋማት ተገሊጹ።

ብመሰረት ዝቐረበ ጸብጻባት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ – መጠን ምሕላፍ ኣብ ቀዳማይ ሰሚስተር ኣብ መባእታ 89 ሚእታዊት፡ ኣብ ማእከላይ ደረጃ 79 ሚእታዊት፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ድማ 72 ሚእታዊት ከም እተመዝገበ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ ድማ፡ ኣብ መባእታ 84 ሚእታዊት፡ ኣብ ማእከላይ ደረጃ 65 ሚእታዊት፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ድማ 75 ሚእታዊት ከም እተመዝገበ በሪሁ።

እንተዀነ፡ መጠን ምቁራጽ ተመሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ – ገና ልዑል ስለዘሎ፡ ውሁድ ጻዕሪ ክቕጽል መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ ድማ፡ ኣብ ህዝቢ ብዝተኻየደ ጐስጓሳት፡ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም ዝጸንሑ ህጻናት ትምህርቶም ብግቡእ ከም ዝከታተሉ ከም እተገብረ፡ ይኹን’ምበር ምስ ምምዝጋብ ብዝሒ ተመሃሮ ንዝተኸስተ ዋሕዲ መማህራን፡ ብምትሕብባር ህዝብን ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባን ከም እተፈትሐ ተሓቢሩ።

Categories