ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ምስ ዝተፈላለያ ኣካላት መንግስቲን ህዝብን፡ ከምኡ’ውን ምስ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ውድባት ተወሃሂዱ ከካይዶ ብዝጸንሐ ቀጻሊን ዕቱብን ጻዕሪ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ዘሰክፍ ተርእዮ ኣንበጣ ምድረ-በዳ ከምዘየለ ኣፍሊጡ።

ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻዊ ኤክስቴንሽን ኣቶ ሕሩይ ኣስገዶም፡ ዕማም ምቊጽጻር ኣንበጣ ምድረ-በዳ፡ ንኹሎም ኣካላትን ሞያውያንን ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ በቲ ሚኒስትሪ ዝተመልመሉ ዳህሰስቲ፡ ከምኡ’ውን ሓረስቶትን ዝተፈላለያ ኣካላት መንግስቲን ከም ዘሳትፍ ድሕሪ ምሕባር፡ ሰሙናዊ ንዝመጽእ ሓበሬታ ተኸታቲላ ቅልጡፍ ስጉምቲ ከምዝውሰድ እትገብር – ብሚኒስተር ሕርሻ እትምራሕ ኣካል ከምዘላ ኣረዲኡ።

“ስግኣት ኣንበጣ፡ ንሓንቲ ሃገር ጥራይ ኣይኮነን” ዝበለ ኣቶ ሕሩይ፡ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ኤርትራ ንምፍራይ ኣንበጣ ምቹእ ስለዝኾነ፡ ኣንበጣ ኣብ ደረጃ ምንፋር ከይበጽሐ ኣብ ዕቱብ ምክትታልን መጽናዕትን ዝተሰረተ ቀጻሊ ጸረ-ባልዕ ናይ ምንጻግ ስራሓት ከምዝካየድ፡ ኣብ ርእሲ’ዚ – ምስ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ከምኡ’ውን ኣብ ከባቢና ምስ ዝርከባ ሃገራት፡ ወርሓዊ መስርሕ ምልውዋጥ ሓበሬታ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣቶ ሕሩይ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ዝበጽሐ ተርእዮ ከምዘየለ፡ እንተኾነ – ብመሰረት ካብ ሳተላይት ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ኣብ ሱዳን፡ የመንን ስዑዲ-ዓረብን ስግኣታት ምንፋር ዝጀመረ ኣንበጣ ስለዘሎ፡ ዕቱብ ምክትታል ከምዘድልዮ ኣገንዚቡ።

ኣንበጣ፡ ኣብ ልዑል ረስኒ ዘለዎ ቦታታት – ድሕሪ ዝናብ ዝፋረ፡ ደረጃ ኵብኵብታ ሓሊፉ ምስ ዝነፍር ንምቊጽጻሩ ኣዝዩ ኣሸጋሪ፡ ኣብ ሕርሻን መገሃጫን ኣብ ሓጺር ግዜ ከቢድ ዕንወት ብምስዓብ – ኣብ ውሕስነት መግቢ ከቢድ ሃስያ ዘውርድ ባልዕ እዩ።

Categories