ማሕበር ህዝባዊ ጥዕና ኤርትራ፡ “ኣተኵሮ ኣብ ምምዕባል ህዝባዊ ጥዕና ብመጽናዕቲ” ብዝብል ቴማ፡ ናይ ፈለማ ዓመታዊ ስነ-ፍልጠታዊ ዋዕላኡ፡ ብ1 መጋቢት ኣብ ኣስመራ ኣቃኒዑ።

ፕረዚደንት ማሕበር ዶክተር ዘርኣብሩኽ ተስፋማርያም፡ ማሕበር ህዝባዊ ጥዕና ኤርትራ ካብ ዝተበገሰሎም ዕላማታት ሓደ፡ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕትታት ብምውዳብ፡ ተጨበጥትን ተተግበርትን ተበግሶታት ብኣባላት ክካየዱ ንምትብባዕ ምዃኑ፡ ኣብ’ቲ ዋዕላ ዝቐረቡ ወረቓቕቲ ድማ፡ ንእዋናውያን ጥዕናዊ ጸገማት ዝፍትሹን ግብራዊ ፍታሕ ዝእምቱን ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና፡ ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጽዮን፡ ኣብ ሃገርና መልከፍቲ ሕማም ዓሶ ኣብ 1998 ልዑል ምንባሩ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ግና – ከም ውጽኢት ናይ ዝተኻየደ ጻዕሪ፡ በቲ ሕማም እትሓልፍ ትንፋስ ከምዘየላ ኣረዲኡ።

ኣብ 2012 ካብ 90 ሚእታዊት ዘይሓልፍ ዝነበረ ሸፈነ ክታበት፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ 98 ሚእታዊት ምብጽሑ እውን፡ መርኣያ ናይቲ ኣብ ምርግጋጽ ህዝባዊ ጥዕና ዝተሰላሰለ ዕዉት ስራሕ ምዃኑ ብምጥቃስ ከኣ፡ ኣብ ምግታእ ምኽንሻብ ጓል-ኣንስተይቲ፡ ሞት ኣደን ህጻንን፡ ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስን ካልኦት ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ዘተባብዕ ውጽኢት ከምእተመዝገበ ገሊጹ። ኣብ ዝመጽእ፡ ከም ካንሰር፡ ሕማም ኵሊትን ኣብ ካልኦት ዝኣመሰሉ ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማትን ዝያዳ ኣተኵሮ ብምግባር ከምዝስራሕ እውን ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ዋዕላ፡ ባዕላዊ ፍወሳ፡ ኩነታት መንብሮ ግዳያት ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንክልና ዝኣልያ ስድራቤታት፡ ምኽንሻብ ጓል-ኣንስተይቲ፡ ብድሆታት ወርሓዊ ጽግያትን ምሕደራ ንጽህናን፡ ኩነታት ቅልጡፍ ምልባዕ ሕማም ዓሶ ኣብ ከባቢ ገለብ ዝብሉን ካልኦትን መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ንዘተ ቀሪቦም።

ኣብ ትሕቲ ጽላል ሚኒስትሪ ጥዕና ዝነጥፍ – ማሕበር ህዝባዊ ጥዕና፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2017 እዩ ንጥፈታቱ ጀሚሩ።

Categories