ኣብ ጀርመን ከምኡ’ውን ኦክላንድ – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣሰላሲሎም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማታት ጀርመን፡ ብ23 ለካቲት “ሃናጺ ጽምዶ ንህዝብታት ዞባና” ብዝብል ቴማ፡ ኣብ ከተማ ጊሰን ‘ጽምብል ጽንዓትን መኸተን’ ወዲቦም።

እቲ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ዝተሳተፉዎ መደብ፡ ሰሚናር ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገር፡ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ንዝተራእየ መኸተን ጽንዓትን ዘንጸባርቕ ብስእልን ድምጽን ዝተሰነየ መሰናድኦ፡ ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ መደባትን ድሙቕ ህዝባዊ ጓይላን ዘጠቓለለ ነይሩ።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ዮውሃንስ ወልዱን ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ካሕሳይ ተወልደን፡ ንዓወት ሃገራዊ ልምዓት – ጻዕሪን ተወፋይነትን ብዝሓየለ ክቕጽል ኣዘኻኺሮም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ኦክላንድ – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድማ፡ ብ24 ለካቲት ርድኢቶም ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገር፡ ከምኡ’ውን ተራኦም ኣብ እዋናዊ መድረኽ ንምንጻር ዝዓለመ ህዝባዊ ሰሚናር ኣቃኒዖም።

Categories