ኣባላት ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል፡ ንደበስ ስድራ ሰማእታት ከምኡ’ውን ኣብ መደባት ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ዝውዕል – ብድምር ልዕሊ 221 ሽሕ ዶላር ኣበርኪቶም።

ካብ’ቲ ብመገዲ ኤምባሲ ኤርትራ ናብ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዝተላእከ ገንዘብ፡ እቲ 201 ሽሕን 562ን ዶላር ንስድራ ስዉኣት፡ እቲ ዝተረፈ 19 ሽሕን 650 ድማ ንሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ዝተወፈየ እዩ።

እቶም ዜጋታት፡ ብ23 ለካቲት ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ፡ ንስድራ ስዉኣትን ሓርበኛታት ስንኩላንን ኣብ ዝድግፍ ንጥፈታት ክሳተፉ ሕልናዊ ዕግበት ከምዝፈጥረሎም ብምግላጽ፡ ንዝለዓለ ኣበርክቶ ውዳበኦም ኣሐይሎም ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል፡ ኣቶ ሰሎሞን ክንፈ፡ ኣብ’ታ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት በብእዋኑን በብውዳቤታቶምን ንዘካይዱዎ ዘለዉ ንጥፈታት ሞጒሱ።

Categories