ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ብምክትል ኣመሓዳሪ ዞባ ስቨርድሎቭስክ ናይ ፈደረሽን ሩስያ – ሚስተር ሰርገይ ቢዶንኮ ንዝተመርሐ ልኡኽ ናይ’ቲ ዞባ፡ ትማሊ 28 ለካቲት ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ኣብ መቓን ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ፈደረሽን ሩስያን ዘሎ ናይ ምትሕግጋዝ ድሌት፡ ኣብ ዓውድታት ምስናዕ፡ ጸዓት፡ ልምዓት ማይ፡ ጥዕና፡ መፍረ መድሃኒት፡ ባህልን ስፖርትን ክግበር ኣብ ዝከኣል ምትሕግጋዛት ተዘትዩ።

ብወገን ኤርትራ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ብወገን ፈደረሽን ሩስያ ኣምባሳደር ኣብ ኤርትራ ኣዚም ያራኽመዶቭ እውን ተረኺቦም ነይሮም።

ልኡኽ ዞባ ስቨርድሎቭስክ፡ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ ሕጂ ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ። እዚ ድማ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን እቲ ዞባን ዘሎ ናይ ምትሕብባር ተበግሶታት ንቕድሚት ይስጉም ከምዘሎ ዘርኢ እዩ።

ሚስተር ሰርገይ ቢዶንኮ፡ ብዘይካ ምስ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ምስ ሚኒስተራት ጥዕናን ቱሪዝምን፡ ከምኡ’ውን ምስ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማዕድን ተመሳሳሊ ርክባት ኣካዪዱ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ልኡኽ፡ ኣብ ከረን፡ ባጽዕን ሰገነይትን ብምብጻሕ፡ ኣብ ትካላትን ቱሪዝማዊ ቦታታትን ዑደት ክገብር ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

Categories