ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ፡ ንበተኻትን ጽጉማትን ቀዳምነት ዝህብ ኣብ ሕርሻዊ ፕሮጀክትታት ዝፍጠር ናይ ስራሕ ዕድል ብዝምልከት ርክብ ተኻዪዱ።

ኣብቲ ምስ ወከልቲ ህዝብን ኣካላት መንግስትን ምምሕዳራት ከባቢ ዋካይ፡ ተልኣይ፡ ኩለንቴባይ፡ ግርማይካ፡ ፋዳዳብ፡ ተማራትን ኣዲባራን ዝተገብረ ርክብ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣቡበከር ማሕሙድ፡ መንግስቲ ደረጃን ዓይነትን መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽ፡ ዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ ዕድላት ዝፈጥሩ ፕሮጀክትታት ሕርሻ ከዋድድ ምጽንሑን ከምዘሎን ብምዝኽኻር፡ ኣመሓደርቲ ከባቢን ኣነባበርቲ ዓድን ነቶም ዝምልከቶም ኣብ ምልላይን ምቕራብን ብንጥፈት ክዋስኡ ኣተሓሳሲቡ።

ብዘይካ’ዚ፡ ሓረስቶት ክራማት ቅድሚ ምእታዉ ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ዘድሃቡ ስራሓት ከሰላስሉን ገራሁኦም ብግቡእ ከደላድሉን፡ ኣመሓደርቲ ከባቢ ድማ ኣብ ኩሉ መደባት ብንጥፈት ክዋስኡ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ እቶም መደባት፡ ጽጉማትን በተኻትን ሰሪሖም መነባብሮኦም ዘመሓይሹሉ ዕድል ዝኸፍቱ ብምዃኖም፡ ንምዕዋቶም ካብኣቶም ዝሕተት ከምዘማልኡ ኣረጋጊጾም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሰለስተ ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ፡ ምርጫታት ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓድን ተኻዪዱ።

እቲ ምርጫታት፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ሓውሲ ከተማ ፎርቶ-ሳዋ፡ ኩሉንተባይን ዋእካይን እዩ ተኻዪዱ።

Categories