ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ካብ 21 ክሳብ 22 ለካቲት – ኩነታት ትምህርቲ ዝግምግም ርክብ ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ርእሳነ-መማህራ፡ ሱፐርቫይዘራትን ወኪል ምምሕዳር ንኡስ ዞባን ዝተረኽቡሉ ገምጋም፡ ንብቕዓት ኣመሃህራን ጽልዋኡ ኣብ ውጽኢት ተመሃሮን፡ ሓፈሻዊ ኩነታት ኣብያተ-ትምህርትን ምቹእነተን ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን፡ ከምኡ’ውን ተራ ኮማዊ ተሳትፎ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ዘተኰሩ ጸብጻባት ቀሪቦም።

ተሳተፍቲ፡ ውጽኢትን ብቕዓትን ትምህርትን ተመሃሮን ንምዕባይ፡ ስሉሳዊ ዝምድና ቤት-ትምህርቲ፡ ተመሃሮን ወለድን ክሕይል፡ ዓቕሚ መማህራን ክብ ዝብለሉ ስልጠናታትን ተመኵሮ ዝለዋወጡሉ መድረኻትን ክፍጠር፡ ኣበርክቶ ሕብረተሰብ ድማ ክዓዝዝ ዝብሉ ሓሳባት ኣፍሲሶም።

ሓለፍቲ ትምህርቲ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን – ቀንዲ ቀላሲ መምህር ስለዝኾነ፡ ውፉይ ጻዕሩ ከበርኽ፡ ሕብረተሰብ ድማ ዘድሊ ምድግጋፍ ክገብረሉ ተላብዮም።

Categories