ኮርፖረሽን ኤለክትሪሲቲ ኤርትራ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ዝርከቡ ዓማዊሉ – ‘ባዕሎም ቈጻሪት ኣንቢቦም ዝኸፍሉሉ ኣገባብ ብምትእትታው፡ ኣደራዕ ንዝኸውን ዘሎ ተደራራቢ ክፍሊት ፍታሕ ከምጽኣሉ ምዃኑ’ ንዝኣተዎ ቃል ከተግብር፡ ተገልገልቲ ሓቲቶም።

እቲ ትካል፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ባህሊ ስራሕ፡ ሕሳቡ ኣብ እዋኑ ይእክብ ብዘይምህላዉን፡ ኣገባብ ኣከፋፍላ ውህሉል ዕዳ ብዘይምትእትታዉን፡ ንቊጠባዊ ጸገማት የቃልዖም ከምዘሎ ብምሕባር፡ ነዚ ንምቅላል ንዘበጋገሶ መደብ ብዕቱብ ክሰርሓሉን ኣብ ሓጺር ግዜ ተግባራዊ ክገብሮን ጸዊዖም።

ኣብ ኮርፖረሽን ኤለክትሪሲቲ ኤርትራ፡ ሓላፊ ጨንፈር ምዕዳልን ምዝርጋሕን ኢንጅነር ኣብርሃም በርሀ፡ ንመረረ ዓማዊል ብዝምልከት ምስ ኤሪና ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ እቲ ዝተጠቕሰ ጸገማት፡ ብሰንኪ ኣብ ኣሰራርሓ ናይቲ ትካል ዝተኸስተ ድኻማት ከምዝኾነ ብምእማን፡ ነዚ ጸገም ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንምፍታሕ፡ ትካሎም ዘድሊ መሳለጥያታትን ዓቕሚ ሰብን ብምቕራብ፡ ነበርቲ ዞባ ማእከል ቈጻሪቶም ባዕሎም ኣንቢቦም ሕሳቦም ክኸፍሉ ይስራሕ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ብዓማዊል ዝቐርብ ዘሎ መረረ ቅኑዕ ምዃኑ ዝሓበረ ኢንጅነር ኣብርሃም፡ ኣብ ንባብ ሃልኪ ቈጻሪት ብዙሕ ዘዛርብ ጉዳይ ከምዘየለ፡ እቲ መረረ ግዳ – ሕሳብ ብእዋኑ ብዘይምእካቡ ኣብ ዝውህለል ዘሎ ዕዳ ከምዝኾነ፡ ነዚ ንምፍታሕ ኣብ መኽፈሊ ነቚጣታትን ዓቕሚ-ሰብን ዝነበረ ሃጓፋት ንምምላእ፡ ስጒምቲ ክውሰድ ተጀሚሩ ምህላዉ ገሊጹ።

Categories