ኣብ ከተማ ከረን፡ ብምምሕዳር ከተማን ናይ ልምዓት መሻርኽቱን ብልዕሊ 31 ሚልዮን ናቕፋ ክትግበር ዝጸንሐ፡ ምዝርጋሕ ተወሰኽቲ መስመራት፡ ምዅዓት ምንጪ ማይ ዒላታትን መኸዘኒ ባስካን ዘጠቓልል ፕሮጀክት ተዛዚሙ።

ብ23 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ከተማ ከረን ኣቶ ዘርእዝጊ ዳዊት፡ መስመራት ማይ ከተማ ከረን ነዊሕ ዓመታት ዘቑጸሩ ብምዃኖም፡ ውሕስነት ማይ ንምርግጋጽ፡ ምስ ብዝሒ ህዝብን ስፍሓት ከተማን ዝሳነ ቀጻሊ ምምሕያሻት ክግበር ምጽንሑ፡ እዚ ናይ ሕጂ ድማ ናቱ መቐጸልታ ምዃኑ ብምሕባር፡ ህዝቢ ብውሕልነት ክጥቀመሉ ኣዘኻኺሩ።

ህዝቢ ኣብ ምዕዋት’ቲ ፕሮጀክት ንዘርኣዮ ምትሕብባር ዘመስገነ ሓላፊ ጨንፈር ኣገልግሎት ማይ ከተማ ከረን ኣቶ ኣብርሀ ግርማጽዮን ድማ፡ በዚ ፕሮጀክት – 2 ተወሰኽቲ ዒላታት ከምእተዃዕታ፡ ሓንቲ መኸዘኒ ማይ ባስካ ከምእተሰርሐት፡ ከምኡ’ውን ልዕሊ 11 ኪሎ ሜተር ዝዝርጋሕ ሻምብቆታት ከምእተዋደደ ብምሕባር፡ ኣብ ዓድ ሓሸል፡ ዓድ ሽቦትን ዋሊኩን ዝጸንሐ ጸገም ማይ ንምፍታሕ ድሮ ስራሕ ተጀሚሩ ምህላዉ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ኣብ ምዕዋት‘ቲ ፕሮጀክት ዝተራእየ ውህደትን ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢትን ንዝያዳ ስራሕ ዝዕድም ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ጸገም ዝስተ ማይ ከተማ ከረን ንምፍታሕ በብእዋኑ ክሰላሰል ብዝጸንሐ ፕሮጀክትታት፡ 10 ዝነበረ ቊጽሪ ዒላታት ናብ 24፡ መኸዘኒ ባስካታት ድማ ካብ 2 ናብ 4 ክብ ብምባሉ፡ 80 ሚእታዊት ህዝቢ’ታ ከተማ ጽሩይ ማይ ይረክብ ከምዘሎ፡ ካብ ጨንፈር ኣገልግሎት ማይ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር።

Categories