ኣብ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ – ምምሕዳር ከባቢ ግራሻ ዝጸንሐ ጸገም ዝስተ ማይ ንምቅላል ዝተጀመረ ስራሕ፡ ብልዑል ህዝባዊ ተሳትፎ ይቕጽል ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ ብሰንኪ ሕጽረት ማሽነሪ ተጓቲቱ ዝጸንሐ ፕሮጀክት፡ ኣብ መነባብሮ ነበርቲ ኣሉታዊ ጽልዋ ፈጢሩ ምጽንሑ ዝጠቐሰ ሓላፊ ኣሃዱ ምክትታል ዓድታትን ፕሮጀክትታን ንኡስ ዞባ ሃይኮታ፡ ኣቶ ፍስሃየ ኣብርሃ፡ ህዝቢ ንምዝዛሙ ብንጥፈት ይዋሳእ ከምዘሎ ገሊጹ።

ፕሮጀክት ማይ ምምሕዳር ከባቢ ግራሻ፡ 5 ኪሎ-ሜተር መስመራት ማይ፡ 250 ፊስቶ ዝሕዝ ባስካን ኣርባዕተ መዐደሊ ነቝጣን የጠቓልል።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ፡ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ቅናፍና፡ ገንዘቦምን ጉልበቶምን ኣወሃሂዶም ንምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ኣጸጋሚ ኮይኑ ዝጸንሐ ሩባ ኣዐርዮም።

እቶም ልዕሊ 400 ነበርቲ፡ ካብ 10 ክሳብ 14 ለካቲት ብዘካየዱዎ ስራሕ፡ ተነጻፊ ቢንቶ ብምውዳድ ንተሽከርከርቲ ምቹእ ከምዝገበሩ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories