ኣብ 2017 ዝተመስረተ – ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት ባጽዕ፡ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ብዝተፈላለየ ሞያታት ዘሰልጠኖም 75 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 158 መንእሰያት፡ ብ21 ለካቲት ተመሪቖም።

እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 25 ክሳብ 35 ዝርከቡ – ካብ ምምሕዳራት ከባቢ እምቤረሚ፡ ሕርጊጎን ሰለስተ ምምሕዳራት ከባቢ ከተማ ባጽዕን ዝመጹ መንእሰያት፡ ብመባእታዊ ሞያታት ስነ-ህንጻ፡ ኤለትሪሲቲን ኤለትሮኒክስን፡ ምዝርጋሕን ምጽጋንን መስመራት ጽሩይ ማይን ረሳሕ ፈሳሲን፡ ብምስራሕ መግፈፊ ዓሳ ሰኪዔትን ቴክኖሎጂ ባሕሪን እዮም ሰልጢኖም።

ኣብ’ቲ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ርእሰመምህር ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት ባጽዕ መምህር ሱሌማን ጃብር፡ እቲ ብዝተፈላለየ ጸገማት ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ንዘቋረጹ መንእሰያት ተቐቢሉ ዘሰልጥን ማእከል፡ ዛጊት ልዕሊ 300 ተመሃሮ ብክልሰ-ሓሳብን ግብሪን ከምዘሰልጠነ ብምሕባር፡ ኣብ ህይወት ሰልጠንቲ እወታዊ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣቶ ረሺድ መሓመድ-ዑስማን፡ ብሞያታት ምግጥጣም ሻምብቆታት፡ ስነ-ህንጻን ስራሓት ኤለክትሪሲቲን ዝሰልጠኑ መንእሰያት፡ ንስራሕ ከበግሶም ዝኽእል ዝተፈላለየ ናውቲ ከምዝወሃቡ፡ እቶም ብምስራሕ መግፈፊ ዓሳ ሰኪዔትን ንጥፈታት ባሕርን ዝሰልጠኑ ግና ኣብ ትሕቲ ጽላል ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ብደረጃ ማሕበር ተጠርኒፎም ዝሰርሑሉ ባይታ ንምፍጣር ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሞያዊ ስልጠናታት፡ ኣካል ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ኮይኑ ኣብ ኩሉ ትምህርትን ስልጠናን ዝካየደሉ ከባቢታት ንምብጽሑ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ምስ ናይ ስራሕ መሻርኽቱ ብዕቱብ ይሰርሓሉ ከምዘሎ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ትምህርቲ ንዓበይትን ሚድያን ኣቶ ገብረዝጊ ድማም ሓቢሩ።

Categories