ኣብ ንኡስ ዞባ ከርከበት፡ ህዝቢ ብቑዕን ዝተማልአን ኣገልግሎት ጥዕና ዝረኽበሉ ባይታ ንምፍጣርን፡ ተጠቃምነቱ ንምዕባይን ይስራሓሉ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ሓላፊ ኣገልግሎት ጥዕና’ቲ ንኡስ ዞባ ነርስ ተስፋዝጊ ዮውሃንስ፡ ኣብ ሓንቲ ማእከልን ኣርባዕተ መደበራትን ጥዕና ዝነጥፉ 28 ሰብ ሞያ ጥዕና ከምዘለዉ፡ ነተን ኣብ ዝረሓቐ ከባቢታት ዝርከባ ዓድታት ንምብጻሕ ድማ፡ በብእዋኑ ወፍርታት ከምዝውደብ ብምጥቃስ፡ ተጠቃምነት ህዝቢ ኣብ ዘመናዊ ሕክምና እናበረኸ ከምዝመጽአ ኣረዲኡ።

ከም ውጽኢት ናይ’ቲ በብግዜኡ ዝካየድ ጐስጓሳት፡ ምክትታል ቅድምን ድሕርን ሕርሲ ዝገብራን ኣብ ትካላት ጥዕና ዝሓርሳን ኣዴታት ዕብየት ከምዘመዝገበ ገሊጹ።

ሕማም ዓሶ ንምጥፋእ ብዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ተርእዮ’ቲ ሕማም ከምዝነከየ፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ክልተ ወርሒ እናተንቀሳቐሱ ዝህብዎ ኣገልግሎት ክታበት፡ እወታዊ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ነርስ ተስፋስጊ፡ እተን ትካላት ጥዕና ምስ ስፍሓት ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ስለዘይመጣጠና – ንተወሰኽቲ ትካላት ጥዕና ከምኡ’ውን ንሕጽረት መድሃኒት ቈላሕታ ክወሃቦ ኣተሓሳሲቡ።

Categories