ጨንፈር ሕግን ስርዓትን ዞባ ማእከል፡ ምስ ናይ ስራሕ መሻርኽቱ ብምትሕብባር ኣብ ትካላት ብዘካየዶ ተፍትሽ፡ ናይ ተጠቃምነት ግዜኡ ዝወደቐ ከምኡ’ውን ዝተበከለ ዓይነታት መግቢን መስተን፡ ብ7 ለካቲት ኣብ ከባቢ ቤት-ገርግሽ ኣብ ዝርከብ መአከቢ ጐሓፍ ኣቃጺሉ።

ሓላፊ ጨንፈር ሕግን ስርዓትን ኮሎኔል ተስፋሚካኤል ተስፋጼን፡ ዝበዝሐ ካብ’ቲ ሃለኽቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተታሕዘ ምዃኑ ብምሕባር፡ 20 ኩንታል መዓር፡ ሓደ ጽዕነት መኪና ምሉእ ማይስሓ፡ ከምኡ’ውን ፓስታ፡ ማልማላታ፡ ብሽኮቲ፡ ሌካሌካ፡ ዝተፈላለየ ዓይነታት ሳሙናን ካልእን ከምዘጠቓልል ገሊጹ።

ኣብ’ቲ መደብ፡ ክፍሊ ሕጋጋትን ቁጽጽርን ሚኒስትሪ ሕርሻ ንዝገበሮ ዓቢ ኣበርክቶ ድሕሪ ምምስጋን፡ ሕብረተሰብ ንዝዕድጎ ንብረት፡ ብፍላይ ድማ ዓይነታት መግቢን መስተን፡ ኣረጋጊጹን ኩነታቱ ርእዩን ክዕድግ ተላብዩ።

ኣባል ክፍሊ ሕጋጋትን ቁጽጽርን ሚኒስትሪ ሕርሻ መንእሰይ ዳኒኤል ገብረሂወት ብግደኡ፡ ንመርመራ ዝቐረበ 20 ኩንታል መዓር፡ ዝበዝሐ ካብኡ ንጸሓይን ንፋስን ዝተቓልዐ፡ ባናናን ሽኮርን ዝተወሓሶን ሕማቕ ጨና ዝገበረን ምዃኑ ጠቒሱ፡ እዚ ንጥዕና ሕብረተ-ሰብ ኣብ ሓደጋ ከውድቕ ስለዝኽእል፡ ነጋዶ ካብ መን ኮን ይስዋእ? ስ/ ዮ ው ሃ ን ስ መ ብ ራ ህ ቱ ከምዚ ኣካይዳ ክእረሙ፡ ሸመትቲ ድማ ርእዮምን ኣረጋጊጾምን ክዕድጉ ኣዘኻኺሩ።

Categories