ሓረስቶት ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ዑደትን ምቅይያርን ኣዝርእቲ ብዝበለጸ ክደፍኡሉ፡ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ – ብ29 ጥሪ ኣብ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋማዊ ኣኼባ ጸዊዑ።

ስራሓት ምዕቃብ ሓመድን ማይን እውን – ምምሕዳራት፡ ክኢላታት ሕርሻን ህዝብን ብቐዳምነት ክነጥፉሉ ዝድለ ዕማም ምዃኑ ዘዘኻኸረ ሚኒስተር ኣረፋይነ፡ ምዝናቕ ኣእካል፡ ናይ ቅብኢ ኣዝርእትን ጥረታትን ብዕቱብ ክስራሓሉ፡ ንኡስ ውሁድ ስድራቤታዊ ሕርሻ ንምስፍሕፋሕ ጻዕርታት ክካየድ፡ ከምኡ’ውን ምእካብ መግቢ እንስሳ ኣቓልቦ ክወሃቦ ጸቒጡ ተዛሪቡ።

በብዓመቱ ዝፈርዩ ዘለዉ መንእሰያት ምሁራት ሕርሻ፡ ብሓደ ወገን ነቲ ምኩር ሓረስታይ ሞያዊ ደገፍ ክህቡ፡ ብኻልእ መዳይ ድማ ንገዛእ ርእሶም ግብራዊ ትምህርትን ተመኩሮን ክድልቡ ዝወጸ መደብ – ተግባራውነቱ ክረጋገጽ ድማ ኣዘኻኺሩ።

ብመሰረት’ቲ ዝቐረበ ጸብጻባት፡ ኣብ 2018 – ብገምጋም ልዕሊ 850 ሽሕ ኵንታል ኣእካል፡ 1.5 ሚልዮን ኵንታል ኣሕምልቲን 708 ሽሕ ኵንታል ፍረታትን ተሓፊሱ ኣሎ።

እዚ ግን፡ ብመንጽር’ቲ ዝተዘርአ ስፍሓትን ዝነበረ ጽቡቕ ዝናብን ኣዝዩ ትሑት እቶት ምንባሩ ክግምገም እንከሎ፡ ጠንቁ – ድኹም ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ምስ ወቕትን ዝናብን ዘይከይድ ማሕረስ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምቅይያርን ምርጫን ዘርኢ ዘሎ ትሑት ንቕሓት ከምዝኾነ በሪሁ።

ኣብ’ቲ ዞባ ኣብ ውሱን ከባቢታት ተኣታትዩ ዘሎ ምቁር ድንሽ ውጽኢታዊ ኮይኑ ብምርካቡ፡ ኣብ መጻኢ ብሰፊሑ ክተኣታቶ ምዃኑ፡ ምርባሕ ንህብን ደርሁን ብዝለዓለ ደረጃ ከምዝስራሓሉ ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ፡ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ንምብርባር፡ ምምሕዳራት ንኡሳን ዞባታት ኣበርክቶአን ከዕዛዛ ድሕሪ ምልባው፡ እቶታትውነት ሕርሻ ንምድንፋዕ ተባሂሎም ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ዝተሃንጹ ልዕሊ 30 መእለዪ ወሓይዝ፡ ዛጊት ዝጥቀስ ኣበርክቶ ይገብሩ ስለዘየለዉ – ዘለዉዎ ደረጃ ተጸኒዑ ዝመሓየሹሉ ኩነታት ክፍጠር ኣዘኻኺሩ። ኣብ’ቲ ዞባ ዝነጥፉ ኣልማዕቲ ጀራዲን፡ ዝግብኦም ግብሪን ክራይ መሬትን ኣብ እዋኑ ክኽፈሉ እውን ኣተሓሳሲቡ።

Categories