ንሽኮር ባዕዳዊ ነገር ብምእታው ከም መዓር ኣምሲሎም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገር ሰፊሕ ዕዳጋ ከፊቶም ከታልሉ ዝጸንሑ ሰባት፡ ብምክትታል ፖሊስን ምትሕብባር ህዝብን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

ህዝባዊ ርክባት ፖሊስ ኤርትራ፡ ካብ ፖሊስ ዞባታት ማእከልን ጋሽ-ባርካን ንዝረኸቦ ሓበሬታ ብምጥቃስ ናብ ኤሪና ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ፡ እቶም ኣብ ምትላል ተዋፊሮም ዝጸንሑ ሸውዓተ ክሱሳት፡ ብምሉኦም ኣድራሻኦም ዞባ ማእከል – ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ክሱሳት፡ ኣብ ዓሰርተ ኪሎ ሽኮር ሸብ ሓዊሶም ብምፍላሕ፡ ምስ ዘሓለ ካብ ፍርቂ ክሳብ ሓደ ኪሎ ጽሩይ መዓር ብምውሳኽ፡ ናይ መዓር ሕብርን ባህርን ምስ ሓዘ ናብ ከተማታትን ገጠራትን እናተንቀሳቐሱ ክሸጡ ከምዝጸንሑ፡ ጸብጻባት ፖሊስ የነጽር።

ኣብ’ዚ ናይ ምትላል ተግባር ዝተሳተፉ ክሱሳት፡ ካብ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሮም ከምዝሰርሑሉን ብዙሕ መኽሰብ ክረኽቡሉ ከምዝጸንሑን፡ ኣብ ቃል እምነቶም ገሊጾም ኣለዉ።

ብዘይካ’ዚ፡ ክሸጡዎ ተዳልዩ ዝነበረ ልዕሊ 100 ኪሎ ብኤግዝቢት ተታሒዙ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።

ፖሊስ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ፡ ህዝቢ – ኣብ ጥዕና ቀጥታዊ ጽልዋ ንዘለዎ ዝብላዕን ዝስተን ሃለኽቲ ካብ ውሑስ ቦታ ክገዝእ፡ ኣብ ከም’ዚ ናይ ምትላል ተግባራት ንዝተዋፈሩ ድማ ከቃልዕ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

Categories