ቤት-ጽሕፈት ምክልኻል ሓሽሽን ገበናትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ዞባዊ ውድብ ‘ኢጋድ’፡ ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ፖሊስ – ማለት ‘ኢንተርፖል’ ብምውህሃድ ዝወደቦ፡ ኣብ ምድንፋዕ ምትሕብባር ኣህጉራውን ዞባውን ሓይልታት ፖሊስ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘተኰረ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዞባዊ ዓውደ-ዘተ፡ ትማሊ 30 ጥሪ ኣብ ኣስመራ – ሆቴል ‘ኣስማራ ፓላስ’ ተኸፊቱ።

ኣብ’ቲ ናይ መኽፈቲ ስነስርዓት ቃል ዘስመዐ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ፡ ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ፡ ዝኾነት ሃገር ካብ ተርእዮ ገበናት ውሕስቲ እያ ክበሃል ከምዘይከኣል፡ ስለ’ዚ ድማ፡ ዶብ-ሰገር ውዱብ ገበናትን ንሱ ዘስዕቦ ኩሉ-መዳያዊ ሃስያን ንምክልኻልን ንምቊጽጻርን፡ ኣብ መንጎ ኣኽበርቲ ሕጊ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ውሁድ ጻዕሪን ምትሕብባርን ክህሉ ወሳኒ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ምክልኻል ሓሽሽን ገበናትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሓላፊ ምክትታል ዶብሰገር ውዱብ ገበናትን መደባት ጸረ-ሽበራን – ሚስተር ዮሃን ክሩጀር ብግደኡ፡ እቲ ዓውደ-ዘተ ንተበግሶ ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ምክልኻል ውዱብ ገበናት ዘጉልሕን ዝድርዕን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ዶብሰገር ገበናት ንሓንቲ ሃገር ጥራይ ዝግደፍ ዕማም ስለዘይኮነ፡ ብሓባራዊ ስራሕን መረዳእታን ምምካቱ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ብዘይካ’ዚ፡ ወኪል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኣምባሳደራት ጀርመንን ዓባይ-ብሪጣንያን ኣብ ኤርትራ፡ ፈጻሚት ጉዳያት ተልእኾ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ኤርትራ እውን ቃል ኣስሚዖም።

ኣወሃሃዲት ናይ’ቲ ዞባዊ ዓውደዘተ ወይዘሪት ኣስመረት ተስፋይ ንኤሪና ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ዕላማ፡ ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ብሓባራዊ ጻዕሪን ቅልጡፍ ናይ ምልውዋጥ ሓበሬታ መሓውራትን፡ ውዱብ ገበናት ንምክልኻል ዘኽእለን ባይታ ንምጥጣሕ ምዃኑ ገሊጻ።

ኣብ’ዚ ካብ ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ኡጋንዳን ዝተወከሉ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ከምኡ’ውን ክኢላታት ምክልኻል ገበን ቤት-ጽሕፈት ምክልኻል ሓሽሽን ገበናትን ሕቡራት ሃገራት፡ ዞባዊ ውድብ ‘ኢጋድ’ን ኣህጉራዊ ፖሊስን ዝሳተፉዎ ዘለዉ ዓውደ-ዘተ፡ ውዕላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዶብ-ሰገር ውዱብ ገበናት፡ ንጥፈታት ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስን ንግድን ደቂ-ሰብን ፍልሰተኛታትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ዛዕባታት ዘተ ይካየድ ኣሎ።

Categories