ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ)፡ ኣብ 2018 – ኣብ ሽወደን፡ ሆላንድን ጀርመንን ካብ ዝነጥፋ ጨናፍሩ፡ ልዕሊ 66 ሽሕ ዶላር፡ ከምኡ’ውን ብማሕበር እትካየድ ትካል መነጸር ዓይኒ ንምምዕባል ዝሕግዝ ናውቲ፡ ዓረብያታት ስንኩላን፡ ኣፋውስን ካልእን ዘጠቓልል ሓገዝ ከምዝረኸበ፡ ካብቲ ማሕበር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ኲናት ስንኩላን ኤርትራ፡ መምህር ገብረብርሃን ኢያሱ፡ እተን በቲ ማሕበር ኣብ ዝካየድ ፕሮጀክትታት ንምሕጋዝ ዝነጥፋ ጨናፍር፡ ኣበርክቶአን – ንስንክልናን ሳዕቤናቱን ኣብ ምቅላል ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ብምርግጋጽ፡ ሞገሱ ገሊጹ።

ማሕበር፡ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት፡ ቀዳምነት ሂቡ ንምሕጋዞም ይሰርሕ ከምዘሎ ብምሕባር ከኣ፡ ኤርትራውያን ብሓፈሻ – ኣባላት እተን ጨናፍር ድማ ብፍላይ ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ኣዘኻኺሩ።

Categories