ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ንኡሳን ዞባታት መንሱራ፡ ድገን ላዕላይ-ጋሽን ብሰፊሕ ኮማዊ ተሳትፎ ዝተሰላሰለ ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ኣድማዒ ከምዝነበረ፡ ትግባረ መደባት ንምግምጋም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባታት ተገሊጹ።

ኣብ በቦታኡ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባታት፡ እቲ ስራሓት ኣብ ምርጋእ መሬትን ዕብየት እቶታውነት ሕርሻን ጽቡቕ ውጽኢት ስለዝሃበ፡ ብዝሓሸ ኣወዳድባ ብዝለዓለ ክስራሓሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ምዅስኳስን ምምእዛንን መንእሰያት፡ ምጥርናፍ ቁሸታት፡ ምምላእ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ምርጫ ኣመሓደርቲ ከባቢታት፡ ምዕባይ ኣታዊታትን ምድልዳል መሬት ሕርሻን ዘጠቓልል ዕዉት ስራሕ ከምእተኻየደ በሪሁ።

ኣብ መወዳእታ፡ ዝተሓንጸጸ መደባት ስራሕ ንምዕዋት፡ ከምኡ’ውን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ንምዕቃብ፡ ውህደት ኩሎም ኣካላት ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

Categories