ኤርትራን ሃንጋሪን፡ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ንምዕዛዝ ዝሕግዝ መቓን ስምምዕ፡ ትማሊ 29 ጥሪ ኣብ ከተማ ቡዳፔስት ከቲመን።

እዚ ስምምዕ ዝተበጽሐ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ’ታ ሃገር ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዝፍጽመሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃንጋሪ ፒተር ሺዣርቶ፡ ምስ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ዮሃናኡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ነቲ ስምምዕ ዝሰዓበ ምዕባለታት – ንዝበለጸ ምትሕግጋዝን ሽርክነትን ምቹእ ሃዋህው ክፈጥር ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ቡዳፔስት ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ምስ ዝተፈላለዩ ሰብመዚ’ታ ሃገርን ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲን ክዘራረብ እዩ።

Categories