ኣብ ከተማ መንደፈራ፡ ሓድሽ መድረኽ ሰላም ሒዝዎ ኣብ ዝመጽእ ዕድላትን ብድሆታትን ብምትኳር – ብ24 ጥሪ ዘተ ተኻዪዱ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ኣቶ ህዝቅያስ ውህበት፡ ንህሉው ኩነታትን ምዕባለታት መድረኽ ሰላምን ዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ኣብ ምርጫ ኣመሓደርቲ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓዲን፡ ከምኡ’ውን ሃገራዊ ወፍሪ ክታበት ንፍዮን ሩቤላን፡ ወፈራታት ከባብያዊ ጽሬት፡ ከምኡ’ውን ምዕቃብ ማይን ሓመድን ዝተራእየ ውህደትን ኣድማዒ ሱታፌን፡ ኣብ ዝቕጽል ሃገራዊ መደባት ልምዓት ዝለዓለ ኣቓልቦ ክወሃቦ ኣዘኻኺሩ።

ኣቶ ህዝቅያስ፡ ንኩነታት ክራማትን ቀውዒን ዝምልከት ገምጋማዊ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ እውን፡ ሓገዝ መንግስትን ኮምን ብዛዕባ ዘድልዮም በተኻት ሓረስቶት፡ ምስ ተሳተፍቲ ሓሳብ ተለዋዊጡ።

ተሳተፍቲ፡ ንሓደስቲ ኣመሓደርትን ኣካየድቲ ስራሕን ዝወሃብ ስልጠናታት ቀጻልነት ክህልዎ፡ ዋሕዲ ኣምቡላንስ ፍታሕ ክናደየሉ ዝብል ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories