ብደረጃ ሃገር ካብ 21 ክሳብ 30 ሕዳር 2018 ዝተኻየደ ወፍሪ ክታበት ሩቤላ፡ ንፍዮን ምዕዳል ቫይታሚን “ኤ”ን፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ብውሁድ ተሳትፎ ህዝብን ኣካላት መንግስትን ዕዉት ምንባሩ ተገምጊሙ።

ብ25 ጥሪ ኣብ ከተማ ድባርዋ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ ኣወሃሃዲ መደብ ክታበት ኣቶ ክብሮም ተስፋማርያም፡ ኣብ’ቲ ዞባ፡ ካብ 9 ወርሒ ክሳብ 15 ዓመት ዝዕድመኦም ልዕሊ 300 ሽሕ ቈልዑ ጸረ ሕማማት ሩቤላን ንፍዮን ከምእተኸትቡ፡ ልዕሊ 96 ሽሕ ካብ 6 ወርሒ ካሳብ 5 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ቫይታሚን ‘ኤ” ከምእተዓደሉ፡ እዚ ድማ ልዕሊ 96 ሚእታዊት ናይ’ቲ ውጥን ከምዝኾነ ገሊጹ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ ዶክተር ኣማኑኤል ምሕረትኣብ፡ እቲ ንዓሰርተ መዓልታት ዝተኻየደ ወፍሪን ኣብኡ ዝተራእየ ውህደትን ንቕሓትን፡ ኣብ መጻኢ ንዝሰላሰል ተመሳሳሊ መደባት ዓቢ ተመኵሮ ተቐሲሙዎ ምህላዉ ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ወፍሪ፡ ሕጽረት መጐዓዝያን መራኸቢታትን፡ ዘይንጹር ስታትስቲካዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ነበርትን ዘይምቹእ ኣቀማምጣ ዓድታትን፡ ካብ’ቶም ቀንዲ ብድሆታት ምንባሮም ድማ ኣነጺሩ።

ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ዝኽሰቱ ንፍዮን ሩቤላን፡ ብኣጋኡ ክታበት ወይ ሕክምናዊ ፍወሳ እንተዘይተገይሩሎም ከቢድ ስንክልናን ሞትን ዘስዕቡ ሓደገኛ ሕማማት እዮም።

Categories