ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ፡ ኣብ 2018 – ብምትሕብባር ህዝብን ፖሊስን ብዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ተርእዮ ገበናትን በደላትን ከምዝነከየ፡ ኣዛዚ መደበር ፖሊስ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ተለንተ ኣመናይ ዘውደ ሓቢሩ።

ተለንተ ኣመናይ ምስ ተመሃሮ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ዝተፈጸሙ ገበናትን በደላትን ምስ ናይ 2017 ክነጻጸሩ እንከለዉ፡ ተርእዮ ገበናት ብ47 ሚእታዊት፡ ተርእዮ በደላት ድማ ብ35 ሚእታዊት ከምዝጐደለ ኣብሪሁ።

እዚ ዓወት’ዚ ዘዛኒ ከምዘይኮነ ጠቒሱ ድማ፡ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ንኽወርድ፡ ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ፡ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ምትሕብባሮም ምስ ፖሊስ ከዕዝዙ ተላብዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ 87 ሓደጋታት ተሽከርከርቲ ከምዘጋጠሙ፡ ብሰንኩ ድማ ህይወት 12 ሰባት ክጠፍእ ከም ዝጠፍአን 51 ከምዝቘሰሉን፡ ኣብ ንብረት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ናቕፋ ዝግመት ዕንወት ከምዝወረደ ዝሓበረ ተለንተ ኣመናይ፡ ጥሕሰት ሕጊ ትራፊክ ብቐዳምነት ካብ ዝጥቀሱ ገበናት ብምዃኖም፡ ሕጊ ትራፊክ ኣብ ምኽባር ተመሃሮ ተራኦም ከዕዝዙ ኣተሓሳሲቡ።

Categories