ኣርባሕቲ ናይ ጸባ ከብቲ፡ ንህዝቢ ጽርየቱን ጥዕናኡን ዝተረጋገጸ ጸባ ከቕርቡሉ፡ ኣብ ፋብሪካ ጸባ ኣስመራ ክኢላ ጥዕና እንስሳ ኣቶ ኣርዓዶም በረኸት ኣዘኻኺሩ።

ናብ’ቲ ፋብሪካ ዝመጽእ ጸባ፡ ብሰለስተ መስርሕ መርመራ ከምዝሓልፍ ዝሓበረ ኣቶ ኣርዓዶም፡ እቲ ብቕዓቱ ዘይተረጋገጸ ብቕጽበት ከምዝውገድ – ኣብ 2018 ንዝተጓሕፈ ልዕሊ 28 ሽሕ ሊትሮ ጸባ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ኣረዲኡ።

ኣካያዲ ስራሕ ፋብሪካ ጸባ ኣስመራ ኣቶ ወልዱ ዑቕባስላሴ ብወገኑ፡ እቲ ፋብሪካ መዓልታዊ ልዕሊ 10 ሽሕ ሊትሮ ጥዕናኡ ዝተረጋገጸ ጸባ፡ ከምኡ’ውን ሞሶሬላ፡ ሪኮታ፡ ፋርማጆ፡ ቡሮን ጠስምን ብርትዓዊ ዋጋ ንተጠቀምቲ ከምዝቕርብ ብምሕባር፡ ዋጋ ሓደ ኪሎ ጠስሚ ካብ 300 ናቕፋ ናብ 195፡ ዋጋ ሓደ ሊትሮ ጸባ ድማ ካብ 30 ናቕፋ ናብ 20 ናቕፋ ጐዲሉ ይሽየጥ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ኣርባሕቲ ናይ ጸባ ከብቲ ዞባ ማእከል፡ ኣቶ ረዘነ ጳውሎስ ድማ፡ እቲ ማሕበር፡ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ከምኡ’ውን ሚኒስትሪታት ሕርሻን ንግድን ኢንዱስትሪን ብዝገብሩሉ ሓገዛት ተተባቢዑ፡ ኣብ ምምላእ ጠለብ ተጠቀምቲ ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ኣብቲ ትካል ዝርአ ሕጽረት መዐሸጊ ጸባ ፕላስቲክ ፍታሕ ክናደየሉ ጸዊዑ።

እቶም ሓረስቶት፡ ኣብ ማሕበር ምጥርናፎም – ብሕልፊ ቀለብ ከብቲ ኣብ ምምላእ ረብሓ ከምዝረኸቡሉ ብምሕባር፡ ኣብ ካልእ ሕጽረታቶም ድማ ናይ ዝምልከቶም ኣካላት ቈላሕታ ከይርሕቆም ሓቲቶም።

Categories