ኤርትራ፡ ኣብ ሸቶታት ሚለንዩም ዘመዝገበቶ ዓወት ንዝያዳ ስራሕ ዝድርኽን ኣብ ምዕዋት ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ዓቢ ትጽቢት ተነቢሩሉ ዘሎን ምዃኑ፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን ገሊጻ።

ሚኒስተር ኣሚና፡ ብ23ን 24ን ጥሪ ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ ኣብ ዘስመዓቶ መደረ፡ ካብ 2017 ክሳብ 2021 ዝቕጽል ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ብኣድማዕነት ንምትግባር፡ ውህደት ኩለን ኣካላት ክዓዝዝ ኣዘኻኺራ።

ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ዶክተር ከሰተብርሃን ሰሎሞን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ብዝተኻየዱ ጐስጓሳት፡ ብዝሒ ኣብ ትካላት ጥዕና ዝሓርሳ ኣደታት ርኡይ ዕብየት ከምዘመዝገበ፡ ሸፈነ ክታበት 76 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ፡ ተርእዮ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምጕዳል፡ ምስ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብምውህሃድ ዕቱብ ንጥፈታት ይሰላሰል ከምዘሎ፡ ሕማም ከርፈስ ኣብ ትሕቲ ምቊጽጻር ከምዝኣተወ ሓቢሩ።

ኣብ ምቍጽጻር ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣድማዒ ስራሕ ይሰላሰል ከምዘሎ፡ ኣብ 5 ንኡስ ዞባታት ብዝተግብረ ዳህሳስ፡ ሕማም ትራኮማ ከም ዝነከየ፡ ኣፍልጦ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ሕማም ቲቢ ስለዝዓበየ’ውን እቲ ሕማም ይጎድል ከምዘሎ፡ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ተገሊጹ።

ኣብ መዳይ ምክትታል ጎድናዊ ሳዕቤናት መድሃኒት፡ ዞባ ዓንሰባ ካብ’ተን ካልኦት ዞባታት ሰጒማ ምህላዋን ኣብ መጻኢ ብሓያል ናህሪ ክስራሓሉን ከምዝግባእ ተገምጊሙ።

ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ኣቓልቦ ክወሃቦም ተላብዮም።

Categories