ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ብ24ን 25ን ጥሪ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ትግባረ መደባት 2018 ብመንጽር ውጥን ድሕሪ ምግምጋም፡ ናይ’ዚ ዓመት መደባት ስራሕ ኣበጊሱ።

ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2018 ዝተኻየደ መንፈቓዊ ገምጋምን ዓመታዊ ገምጋምን ብመድረኻት ዝፈላለዩ’ኳ እንተኾኑ፡ ክልቲኦም ንውሁድ ሃገራዊ መስርሕ ኣቕርቦት ትምህርቲን ምውርጻጽ ትግባረ መደባትን ዝዓለሙ ብምዃኖም፡ ውጥናት ብመንጽር ትግባረኦም ከምኡ’ውን ድኹምን ሓያልን ጐድንታቶም ብዕቱብ ክግምገሙ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ካብ መፋርቕ 2017 ብምሉእ ሱታፌ ኩለን ኣካላት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ክካየድ ብዝጸንሐ መስርሕ ግምገማን ውጥንን ስርዓተ-ትምህርቲ፡ ካብ 2018 ክሳብ 2022 ንዝሰላሰል ዕማም መሰረት ዝኾኑ ኣገደስቲ ሰነዳት ብምሉእነት ከም ዝተዳለዉ ዝጠቐሰ ሚኒስተር ሰመረ፡ ሰነድ ኣጠቓላሊ ክለሳ ስርዓተ-ትምህርቲ’ውን ኣብ ደረጃ ምጽፋፍ ከምዝርከብ ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ብሓለፍቲ ክፍልታት ዝቐረበ ጸብጻባት፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምድንፋዕ ዝዓለሙ ዝተፈላለዩ ስልጠናታትን መጽናዕትታትን ከምእተኻየዱ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ደረጃታት መጽሓፍቲ ቋንቋ ኣደ ከምእተሓትሙ፡ መምሃሪ መምርሒታት ክለሳ ከምእተገብረሎም፡ ዝርግሐ ትምህርቲ ንምዕባይ ዝተፈላለየ ጎስጓሳት ከምእተኻየደ፡ ንኣተኣላልያ ቈልዑ ዝምልከት ናብ ወለዲ ዘተኰረ ዘተባብዕ ስራሕ ከምእተዓመ፡ ከምኡ’ውን ምቕራብ ንዋት ኣብያተፈተነን ካልኦት ዓበይቲ ዕማማትን ከምእተሳለጡ ተሓቢሩ።

መጽሓፍቲ ኣብ ግዜኡ ኣብ ኣብያተትምህርቲ ዘይምብጻሕ፡ ኣብ ገለ ስልጠናታት መወከሲ ጽሑፍ ዘይምድላው፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝርከባ ብስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራ ዝካየዳ ኣብያተ-ትምህርቲ ዘጋጥም ናይ ትምህርቲ ግዜ ምብትታኽን ካልእን፡ ከም ብድሆታትን ድኻማትን ተለልዮም፡ ብተሳተፍቲ ክትዓት ተኻዪዱሎም።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ መደባት 2019 ንተሳተፍቲ ተገሊጾምን ንትግባረኦም ብውህደት ክስራሕ ለበዋ ቀሪቡን።

Categories