ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ ምቊጽጻር ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ዘተባብዕ ገስጋስ ከምእተመዝገበ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ብ21ን 22ን ጥሪ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ምርግጋጽ ብቕዓትን ሸፈነን ኣገልግሎት ጥዕና ዝተሰላሰሉ ንጥፈታት ዘተኰረ ኣኼባ፡ ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ዶክተር ሓየሎም ኪዳነ፡ ኣብ 2018 – ሕጽረታት ንምምላእን ተሳታፍነት ሕብረተሰብ ክብ ንምባልን ሳላ ዝተወስዱ ተበግሶታት፡ ለበዳዊ ተርእዮ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ከምዘይነበረ፡ ኣብ ወፍሪ ክታበት ንፍዮ፡ ሩበላን ምዕዳል ቪታሚን ‘ኤ’ን ዝተራእየ ውህደት ድማ ዝምስገን ምንባሩ ሓቢሩ።

ሓለፍቲ ትካላት ጥዕና ኣብ ዘቕረቡዎ ጸብጻባት፡ ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት ብዝተገብረ ናይ ምክልኻልን ፍወሳን ጻዕሪ፡ ሓደገኛነት ናይቶም ሕማማት ከምእተገትአ ተጠቒሱ።

እቶም ሞያውያን ብተወሳኺ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ትካላት ጥዕና ዝወሃብ ኣገልግሎትን ኣስተምህሮታትን፡ ናብ ርሑቕ ከባቢታት እናተንቀሳቐሱ ሳላ ዘካይድዎ ዕማማት ንቕሓት ሕብረተሰብ ኣብ ተጠቃምነት ትካላት ጥዕና ከምዝዓበየን፡ ውሁድ ሜላታት ምክልኻል ሕማማት እወታዊ ውጽኢት የመዝግብ ከምዘሎን ብምጥቃስ፡ ተራ ምምሕዳራትን ሃገራውያን ማሕበራትን ክዓዝዝ ኣተሓሳሲቦም።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ንምውቃዕ ዘኽእሉዎ – ብሃገራዊ ፖሊሲ ጥዕና ዝቕለሱ ስትራተጂታትን መደባትን ኣውጺኡ ይሰርሕ ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባር፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰቦም እወታዊ ለውጢ ንምምጻእ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ኣዘኻኺራ።

Categories