ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ ኣቶ ማሕሙድ ኢብራሂም፡ ኣብ ክብርታት ሕብረተሰብን ኣገዳስነቱ ኣብ ምህናጽ ሃገራዊ መንነትን ዘተኰረ ኣስተምህሮ፡ ንተመሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ሂቡ።

“ክብርታት፡ መሰረት እሩም ባህሪያት’ዩ” ዝበለ ኣቶ ማሕሙድ፡ እወታዊ ኣረኣእያን ኣብነታዊ ኣካይዳን ዘለዎ መንእሰይ ምዅስኳስ ዜግነታዊ ሓላፍነት ስለዝኾነ፡ ወለዲ፡ ሕብረተሰብ፡ ከምኡ’ውን ኩለን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዝነጥፋ ኣካላት ብውህደት ክሰርሓሉ ዝግባእ ሃገራዊ ጉዳይ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ተመሃሮ ምሉእ ኣድህቦኦም ኣብ ትምህርትን ፍልጠትን ክገብሩ ብምልባው፡ ተሳታፍነት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ብሓፈሻ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ንምዕዛዝ፡ ውሁድ ጻዕሪ ክካየድ ድማ ኣተሓሳሲቡ።

Categories